ወግዓዊ ቴማ ርክብ ካልኣይ መዓልቲ ዋዕላ ርፓብሊካውያን “ኣመሪካ ደጊምና ውሕስቲ ንግበራ፡” ዝብል’ዩ ነይሩ። ኣብቲ መዓልቲ ዝነበረ መደባት ንዝርአ ሰብ ግን እቲ ቴማ “ደጊምና ውሑስ ጸወታ ንጻወት፡” ዘስምዕ’ዩ ነይሩ።
ኣቐዲሞም ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ መርገጺ ዝነበሮምን ኣብ በበይኑ እዋን ኣንጻሮም ሕማቕ ዝተዛረቡን ተር ኢሎም ናይ ምልስላስን ኣማላድነትን ቃና ዘስምዑሉ እዋን’ዩ ነይሩ።
ኣቐዲሙ ኣብ ናይ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ምርጫ ዝተሳተፈ ቪቨክ ራምስዋምፕይ ሓደ ካብቶም ተዛረብቲ’ቶም ነይሮም።
“ዶባት ክትዕጽዉ እንተ ደሊኹም ንዶናልድ ትራምፕ ምረጹ። እዛ ሃገር ውሕስቲን ስርዓተ ሕጊ እትኽተልን ክትከውን እንተደሊኹማ ሕጂ’ውን ንትራምፕ ምረጹ።”
ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ዝተሳተፋ ናይ ቅድም ኣመሓዳሪት ደቡብ ካሮሊና ዝዀና ኒኪ ሀሊ’ውን ምስ ትራምፕ ዝነበረን ፍልልይ ከም ዘደቀሳ ከርእያ’የን ፈቲነን።
“ደጊማ ሓደ ነጥቢ ከስምረሉ እደሊ። ንዶናልድ ትራምፕ ዘሎኒ ምሉእ ድጋፍ እገልጽ ኣለኹ፡”ኢለን።
ኣብ ምርጫ 2016 ኣንጻር ትራምፕ ኣብ ናይ ሰልፊ ውድድር ዝተሳተፋን ድሒረን ብፕረዚደንት ትራምፕ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተመዘዛ ኒኪ ሀሊ፡ ድሒረን “ደጊሙ ንኽምረጽ ዘይብቅዕን ዘይግብኦን’ዩ፡” ኢለን ነይረን። ካብ ደቡብ ካሮሊና ዝተወከላ ገሪ ማክዳኒኤል ኣንጻር ዝዀነ ሰብ ተወዳዲሮም’ውን ክዕወቱ ምዃኖም’ዮም ብምትእምማን ዝዛረባ። ትራምፕ ምስ ተመርጹ ንዅሉ ከሕብሩ ምዃኖም ድማ ማክዳኒኤል ይኣምና።
ሮቢን ሆሊ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ ደቡብ ካሮሎና ዝመጽኣ ተወካሊት’የን። ኒኪ ሀሊ ንትራምፕ ዘለወን ድጋፍ ዝገለጽኦ ተኣማኒን ካብ ልቢ ዝነቐለን እንተዀይኑ ብጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተሓቲተን ክምልሳ እንከለዋ፡ ተኣማሚነን ክምልስኦ ዘጸግም ሕቶ እኳ እንተዀነ፡ ንፍልልያተን ጸይረን ንቕድሚት ክስጕማ ዝደልያን ንሕብረት ዝጽዕራ ምዃነን ግን እምነት ኣለወን።
ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ዋዕላ ርፓብሊካውያን፡ ኣቐዲሞም ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ተሪር መርገጺ ዝወሰዱ ንተጋባእቲ ቃል ሂቦምን ንሓድነት ጸዊዖምን። ካብ መንጎ’ቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዛረቡ ኣባል ሰነት ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ፡ ካብ ፍሎሪዳ ካርኮ ሩቢዮ፡ ኣቐዲሞም ሚኒስተር ኣባይቲ ዝነበሩ በን ካርሰን፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ዶን ደሳንተስ ይርከቡዎም።
“ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካን ዝዀንኩም ብጾተይ። ንባይደን ናብቲ ዝግበኦ ትሕቲ-መሬታዊ ቤት (በይዝመንት) ሰዲድና ንዶናልድ ትራምፕ ድማ ናብ ዋይት-ሃውስ ንምለሶ” ዝበሉ ኣቐዲሞም መወዳድርቲ ትራምፕ ዝነበሩ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ዶን ደስተንስ’ዮም።
ገለ ካብቶም ሰሉስ ኣብቲ ጉባኤ ንሕጹይ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ ዝውድሱ ዝነበሩ፡ ኣብ ናይ ሕዳር ምርጫ እንተ ተዓዊቶም ኣምሳያ ደገፎም ገለ ዓስቢ ዝጽበዩ’ዮም፡ ይብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሚልዋኪ ዊስከንስን።