ተዓዋቲት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌሩላ

  • ዜና ቪኦኤ

ተዓዋቲት መበል 12 ሻምፒዮን ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ቕድድም ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ክሳብ ጎደና ሓርነት ውዕዉዕ ኣቀባብላ ተገይሩ`ላ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ`ውን ነታ ጋንታ ኣብ ዓዲ ሃሎ ከም ዝተቐበላን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ስፖርት ዝዕወቱ ኣትሌታት ኣብ ኤርትራ ክፈርዩ ከም ዘለዎም ከም ዝመዓደን፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ኤክስ መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ።

ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ሸውዓተ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ብሩር፡ ኣርባዕተ ነሓስ ብምዕዋት`ያ ቀዳመይቲ ኮይና። ካልኣይን ሳልሳይን ድማ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን ወጽየን።