ሓደ ጥምረት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት ሕብረት አፍሪቃ ካብ ኣባልነት ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ከይወጽእ ጸዊዑ

ዓለምለኸ ቤትፍርዲ ገበነኛታት

ሓደ ብሂማን ራይትስ ዎች ዝመርሕ ጥምረት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት መራሕቲ ሕብረት አፍሪቃ ካብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምውጻእ ዘለዎም ውጥን ክቕይሩ ጸዊዑ።

ኮሚቴ ሕብረት አፍሪቃ ዓለምለኸ ቤትፍርዲ በቲ ሕብረት ዘቕረበሉ ሰለስተ መዓቐንታት እንተየማልኡ አባል ሃገራት ካብ አባልነት’ቲ ቤት ፍርዲ ከምዝወጹ ሕብረት አፍሪቃ ከምዘጠንቀቀ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቲ መዓቀኒታት ንመራሕትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን በቲ ቤት ፍርዲ ኣይክሰሱን ወይ ኸአ ካብ ኽሲ ነጻ ይኹኑ ዝብል’ዩ።

እቲ ብሂማን ራይትስ ዎች ዝምራሕ ጉጅለ እዚ ጠለብ’ዚ ንናይ ሕብረት አፍሪቃ ቅዋምን ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና ዘተአታትዎ ተበግሶን ዝቃወም’ዩ ኢሉ’ሎ።