ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ምስጕግ ኤርትራውያን ስክፍታኡ ይገልጽ

Your browser doesn’t support HTML5

ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ምስጕግ ኤርትራውያን ስክፍታኡ ይገልጽ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ነቲ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ብዘይ ድሌቶም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ንዓለምለኸ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ’ዩ ድሕሪ ምባል እቲ ተግባር ንካልኦት ሓተትቲ ዑቕባ ኣዝዩ ዘከሰፍ’ዩ ኢሉዎ።

ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ሰባት፣ ስደተኛታት ወይድማ ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኮኑን ብምባል ምላሽ ሂቡ ኣሎ።