ኣብ ኢትዮጵያ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ስግኣት ከምዝርኸቡ ይገልጹ

ethiopia map

ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራን ኮንሶን ዝነብሩ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ማእሰርቲ ማሕረምትን ስግኣትን ፍርሃትን ተፃዒኑና’ሎ ክብሉ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ነታ ሃገር ንምርግጋእን ጥፍኣተኛታት ንምፍላይን ሓጊዙና’ሎ፤መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተፈፂሙ ዝብሉ ግን ንዝምልከቶ ኣካል ክጠርዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ኣብ ደቡብ ክልል ከምኡ’ውን ኣብ ኮንሶ ተቓውሞታት ካብ ዝለዓል ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ’ሎ። ኣብዚ ጊዜ ህይወት ሓያለ ሰባት ጠፊኡ፡ አካል ጎዲሉ ንብረት’ውን ኣዕንዩ።

ኣብታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ኣስታት 1160 ሰባት ከምተአሰሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ’ሎ።ድሕሪ’ቲ አዋጅ ሰላምን ምርግጋእ ከምዝሰፈነ’ውን ይገልጽ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ስግኣት ከምዝርኸቡ ይገልጹ