ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሬሳ 45 ሰባት ኣብ ገማግም ጅቡቲ ምርካቡ ገሊጹ

ፋይል

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰሉስ ሬሳ 45 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ምርካቡን ሃለዋት ካልኦት 100 ስደተኛታት ምጥፍኡን ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ዓመተ 2024 ካብ ዘጋጠሙ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ የመን ዝካየድ ጉዕዞ ስደት ዝኸፍኣ ምዃኑ ይሕብር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልተ ጀላቡ ካብ ዝነበሩ 310 ካብ የመን ናብ ጅቡቲ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰባት 154 ምድሓኖም’ቲ ትካል ይሕብር። ሓለዋ ባሕሪ ጅቡቲ ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒት የካይድ ምህላው ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ኣዲኡ ዝሞተቶ ዕሸል ኣርባዕተ ወርሒ ከምዝርከብ ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቕጸሩ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዝሓሸ ናብራ ንምንዳይ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ከምዘካይዱ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።