ርእሶም ሃይለ -- ዝፈለሰ ገጣሚ

ርእሶም ሃይለ -- ሰኣሊ -- ፍጹም በርሀ (ካብ ስድራቤት ዝትረኽበ ስእሊ)

እንተስ ክረኽቡዎ ወይ ድማ መዋእሎም ክመሓላለፉ ክነብሩ ብዙሓት ግጥሚ ከናድዩ ሃሰው ዝብሉ'ኳ እንተዀኑ: ንርእሶም ሃይለ ግን ኣብ ዝደሓረ ዕድመ ባዕሉ ግጥሚ’ዩ ረኺቡዎ። ካብቲ ንግጥሚ ዝረኸበሉ እዋን ኣትሒዙ ከኣ ብምሉእ ሓይሉን ወኑን ስለ ዝተቐበሎ ልዕሊ ክልተ-ሽሕ ግጥምታት ጽሒፉ።

ልዕሊ ዝዀነ ኤርትራዊ ገጣሚ ናብ ካልእ ቋንቋታት ዝተተርጐመን ሸፈነ መራኸቢ-ብዙሃን ዝረኸበን ርእሶም ሃይለ እዩ። ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ልሙዳት ምስ ኤርትራ ተኣሳሲሮም ዝኸዱ መራኸቢብዙሃን ውሽጢ ሃገር: ድምጺ ኣመሪካ: ረድዮ ጀርመንን ድምጺ ቫቲካንን ሰጊሩ ድማ ኣብ ካልእ ዝዓበያ መዲያታት ሸፈነ ተዋሂቡን ግጥምታቱ ተነቢቡሉን። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ድማ BBC: CNN: Rai ናይ ኢጣልያ: ረድዮ SBS ናይ ኣውስትራልያ (ቅድሚ ሕጂ መደብ ትግርኛ ምትእትታዎም): SABC ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ሬድዮ NPR ናይ ኣመሪካን የጠቓልል።

ኣብቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኸውን መብዛሕትኡ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ፈለማ ደሃይ፡ ድሒሩ ድማ ኣስማሪኖን ካልኦት ዘሕትሞ ዝነበረ ድማ፡ ክልተ ብትግርኛ ካልኦት ክልተ ድማ ምስ ቻርለስ ካንታሉፖ ብምዃን ናብ እንግሊዘኛ ዝተርጎመን ትርጉም ግጥማታት ንማሕተም ኣብቂዑ’ዩ።

ዶክተር ርእሶም ሃይለ ብ29 ሰነ 2003’ዩ ኣብ ስደት ዓሪፉ። መበል 21 ዓመት ዕረፍቱ ምኽንያት ብምግባር እምበኣር ንስራሓቱ፡ ኣበርክቶኡ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛን ግጥምታቱ ብድምጹን ሓደ መሰነዳኦ ኣዳሊና ኣሎና፡ ንምክትታሉ መላግቦ ሰዓቡ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፈነወ ትግርኛ ቀዳም
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፈነወ ትግርኛ ሰንበት