ጠመተ ሞያውያን -- ኣበርክቶ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ

Your browser doesn’t support HTML5

ጠመተ ሞያውያን -- ኣበርክቶ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ

ቅድሚ 21 ዓመታት ብ29 ሰነ 2001 ኣብ ስደት ዝዓረፈ ኤርትራዊ ገጣሚ ርእሶም ሃይለ ዛጊት ዝልዓለ ሸፈነን ተበጽሕነት ዝረኸበ’ዩ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ግጥምታት ዝጸሓፈ ርእሶም፡ ስራሓቱ ኣብ ከም BBC: CNN: Rai ናይ ኢጣልያ: ረድዮ SBS ናይ ኣውስትራልያ: SABC ናይ ደቡብ ኣፍሪቃን ረድዮ NPR ኣቕሪቡ’ዩ።

ዶክተር ርእሶም ኣብ ቅዲ ኣገጣጣምኡን ኣገባብ ኣቀራርባኡን ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ’ዩ።

ዶክተር ርእሶም ሃይለ በታ “ዋዛ ምስ ቁምነገር ንትንሳኤ ሃገር፡” እትብል በዅሪ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ’ውን ሽልማት ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ 1998 ወሲዱ’ዩ።

ነዚ ፍሉይ ገጣሚ ዳግም ብኻልእ ርእየት ንምድህሳሱን ምዝካሩን እምበኣር ክኢላታት እዚ ዓውዲ ኣዘራሪብና ኣለና።