ኤርትራ -- ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ትዝክር

Your browser doesn’t support HTML5

ኤርትራ -- ጋዜጣታት ብሕቲ ዝተኣገዳሉ መበል 23 ዓመት ትዝክር

ሎሚ 18 መስከረም 2024፡ መበል 23 ዓመት ምዕጻው ናጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝዝከረሉ፡ መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ድንፋዐ ስነ-ጽሑፍን ዝጣበቕ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ዝተሰየመ ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ድማ ናይዚ ዓመት ዕዉት መሰል ምግላጽ ሓሳባት ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝዝከርን ኣብ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ዝወሃብ ሽልማት፡ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ዕዉት ናይዚ ዓመት ኰይኑ ተሸላሚ ንምዃን በቒዑ ኣሎ።

“ሓላዊ እታ ወርቃዊት ገረብ” እትብል መጽሓፍ ዓቢ ስም ዘተረፈ፡ ነባሪ ጀርመን ዝዀነ ዳኒኤል ተስፋይ፡ ካልእ ትርጕማዊ ስራሓት’ውን ዘበርከተ ኰይኑ፡ ናብዚ ሽልማት ዘብቅዖ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ ኣብቲ ንምዕዋቱ ኣመልኪቱ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ጽሑፍ እቲ ማሕበር ተመልኪቱ።

ቅድሚ ሎሚ ንዓመታዊ ሽልማት ሓሳብካ ምግላጽ ፐን ኤርትራ ዝተዓወቱ ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ደራሲን ጋዜጠኛን ሳልሕ ጋዲ (ጆሃር)፡ ተመራማሪ ስነ-ጽሑፍ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ድምጻዊ ኣብራር ዑስማንን ኣሕታሚ ካሳሁን ቸኮልን’ዮም።

እዚ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ፡ ኣብዚ ዕለት ዝወሃብ ሽልማት ንኽብሪን ዝኽሪን ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ኣብ 2001 ኣብዚ መዓልቲ ንዝተዓጽዋ ብሕታውያን ጋዜጣታትን ምዃኑ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት የመልክት። ቅድሚ 23 ዓመት ኣብ 18 መስከረም ሸውዓተ ጋዜጣታት ብሕቲ ማለት ሰቲት፡ ጽጌናይ፡ ሓዳስ ኣድማስ፡ ዘመን፡ መቓልሕ፡ ቀስተ-ደበናን ዊንታናን ተዓጽየን’የን።

ኣብቲ ብምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ ኣመልኪቱ ንጽባሒቱ ኣብ መንግስታዊ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ “ጋዜጣታት ብሕቲ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ፕረስን ብምጽራረን፡ ከምኡ’ውን ብሕጊ ንኽሰርሓ ዝተዋህበን ተደጋጋሚ መዘኻኸሪን ዕድልን ብምንጻግን፡ ካብ ትማሊ 18 መስከረም ጀሚረን ንግዜኡ ደው ክብላ መንግስቲ ኤርትራ ወሲኑ፡” ዝብል ነይሩ። መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ “ሚኒስትሪ ዜና ንዝሓለፈ ተመኵሮ ገምጊሙ ብሕጊ ፕረስ ዝቕየዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ፍቓድ ክህብ’ዩ፡” ይብል። እንተዀነ ድሕሪ’ዛ ዕለት እዚኣ ዝተዋህበ ፍቓድ ናጻ ፕረስ ዛጊት የሎን።

ኣብዛ ዕለት እቶም ብልምዲ ጕጅለ-15 ተባሂሎም ዝፍለጡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ነበር’ውን ዝተኣስሩላ ክትከውን እንከላ፡ ኣስታት ሓሙሽተ መዓልታት ጸኒሖም ድማ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ክህደኑን ብኣልማም ክእሰሩን ጀሚሮም። ኣብቲ ናይ ሽዕኡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወሲዶም ዛጊት ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት፤ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ኣቶ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ማቲዎስ ሃብተኣብ፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣቶ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ኣቶ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ሰቲት ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ፣ ሰኣሊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ስዩም ጸሃየ፣ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፣ ናይ ውልቂ ኣበርካትሪን ደራሲን ኣቶ እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረ) ምዃኖም መዛግብቲ ፐን ኤርትራ የመልክት።

ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዛ ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ ተርታ ናጻ ፕረስ ኣብ ዝተሓተ መስርዕ ክትቅመጥ ጸኒሓን ኣላን። ንኣብነት ኣብቲ ብጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ማሕበር፡ ዝወጽእ ዓመታዊ ተርታ ናጽነት ፕረስ ሃገራት፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መስርዕ ኤርትራ ካብ መበል 180 ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ብርኪ፡ ማለት መጨረሽታ መበል 180 ደረጃ ትርከብ።

ከም ጸብጻብ ተሓላቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ። ክልተ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝሞቱ እቲ ትካል ጠቒሱ ኣሎ። መብዛሕትኦም እዞም ጋዜጠኛታት ኣብቲ ናይ መስከረም 2001 ዝተገብረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብሓባር ኣብ ቐይዲ ዝኣተው'ዮም። ብጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ክልተ እዋን (ኣብ 2015 ከምኡ’ውን 2019) ዝተገብረ ፍሉይ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ዓፈና ፕረስ (ሰንሰር) ዝርኣየላ ሃገር ተባሂላ ተጸዊዓ’ያ።

ድምጺ ኣመሪካ ንኹነታት እቶም እሱራት ጋዜጠኛታትን ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲን ኣመልኪቱ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝግበሮ ጻዕሪ ኣይቀንዖን። እንተዀነ እቲ ካብ ዝርዝር ማእሰርቲ እዞም ዝተጠቕሱ ጋዜጠኛታትን እቶም ንፖለቲካዊ ለውጢ ዝሓተቱ ጉጅለ-15 ቍጡብ ዝዀነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ሳሕቲ ዝህቦ ግብረ-መልሲ፡ “መሳርሒ ናይ ደገ ሓይልታት ኰይኖም” ወይ ድማ “ክሕደት ሃገር” ፈጺሞም ኢሉ ይኸስስ። ዝርዝር ናይቲ ዝጥቀስ ክሲ ግን ኣይቀርብን። ዛጊት ናብ ናጻ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጋዜጠኛ ወይ ድማ ኣብ እዋኑ ካብ ዝተኣስሩ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ የሎን።