ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ሓደጋ መራኽብ በርኪቱ

ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ሜዲተራንያን

ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ዓዲ ጣልያን ንምስጋር ብመርከብ ይጓዓዙ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ዝሞቱ ስደተኛታት፣ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመፁ ምኳኖም ተገሊፁ።

ኣብ ሽወደን ተጣባቂት መሰላት ሜሮን እስጢፋኖስ ንቪኦኤ ክትዛረብ ከላ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ሰለስተ ስደተኛታት ዘሳፈራ መራኽብ ከምዝጠፍኣ ወይ ከምዝጣሓላ ሓቢራ።ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ 1,800 ስደተኛታት ከምዝሞቱ‘ውን ተፈሊጡ‘ሎ።

ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ሎም-ዘበን እታ ኣዝዩ ህልቂት ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜድተራንያን ዝተኸሰተላ ዓመት ክብል ገሊፁ‘ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ-ምልልስ ምስ ሜሮን እስጢፋኖስ