ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም

ኣለምዋጨ መዓስከር ስደተኛታት

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ወረዳ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጥይትን ብኻራን ተሃሪሞም ከምዝቖሰሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል መብርሂ ዝሃበ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ገሊጹ፣ ኣብ ሆስፒታል ዳባት ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም