ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ክልል ትግራይ ምቕታሉ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሓደ ሰራሕተኝኡ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ  እምባስነይቲ ብዘይተፈለጡ  ሰባት ከምዝተቐተልዎ ኣፍሊጡ።  ዘዋሪ መኪና ኣምቡላንስ ዝኾነ ሰራሕተኛ እቲ ማሕበር ሓንቲ ሕርሲ ዝተትሓዘት ኣደ ናብ ሕክምና ንምውሳድ  ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ እዋን እቲ ቕትልት ከምዝተፈፀመ እቲ ማሕበር ገሊፁ።