ግብረመልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣመሪካ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ግብረመልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ኣመሪካ

ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን ናይ መጀመርታን ምናልባት እውን እንኮ ክኸውን ዝኽእል ፕረዚደንታዊ ክትዕ ብሰሉስ ኣካይዶም እዮም። ኣቐዲሞም ዝወፁ ኣሃዛት ከም ዝሕብሩዎ ልዕሊ 60 ሚሊዮን ህዝቢ ተኸታቲሉዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ተቐራራቢ ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ሽዑ ንሽዑ ድሕሪ እቲ ሰሉስ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ዝተኣከበ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ከም ዝሕብሮ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ንፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ በሊፀን እየን። እዚ ግን ንርእይቶፅኑዓት ደገፍቲ ክልቲኦም ሕፁያት ኣይቀየሮን።