ኢትዮጵያዊያን ጥንታዊያን ጽሑፋት ንምዕቃብ ይሰርሑ

Your browser doesn’t support HTML5

ጥንታውያን ብኢድ ዝተፃሕፉ መፃሕፍቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ንምዕቃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ትካል ሃመረ ብርሃን ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዘዘራረቦም ኣባላት እቲ ትካል ይገልፁ ። ኢትዮጵያዊ ካህን ዘልኣለም ሞላ በተን አርቃይ ተዓጢቐን ቀለም እናጠምዓ ብጥንታዊ ቋንቋ ግእዝ ዝተፃሕፉ ሃይማኖታዊ ፅሑፋት ብጥንቃቐ ለፊዑ ናብ ዝተዳለወ ቆርበት የሕልፍምም። እዚ ፃዕሪ ዝሓትት ስራሕ ጥንታዊ ሓድጊ ንምዕቃብ ዝዓለመ ምዃኑ ቀሺ ዘልኣለም ይዛረቡ።