ፕረ.ፑቲን ሃገራት ኣውሮጳ ሰራዊት ናብ ዩክሬን እንተሰዲደን ኑክሌራዊ ግጭት ከይስዕብ የጠንቅቑ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረ.ፑቲን ሃገራት ኣውሮጳ ሰራዊት ናብ ዩክሬን እንተሰዲደን ኑክሌራዊ ግጭት ከይስዕብ የጠንቅቑ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬን ንክፍጸሙ ዝወጹ ሸቶታት ክትግብሩ ምዃኖም ሎሚ ሓሙስ ቃል ኣትዮም። እዚ ንምትግባር ኣብ ዝወስድዎ ስጉምቲ ምትእትታው ምዕራባውያን ኣብቲ ውግእ: ዓለምለኻዊ ኑክሌራዊ ግጭት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም።

ፑቲን ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃቡ ነቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ዝካየድ ምርጫ ከምዝዕወቱ ርግፀኛ ኮይኖም ንህዝቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ። ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን እትረኽቦ ዓወት ንምዕቃብ ድልዉ ምዃኖም እውን ሓቢሮም ኣለው።