ፕረዝደንት ፑቲን፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ተአፋፊ ሓበሬታ ከምዘየመሓላለፉ ከረጋግጽ ይክእል’የ ኢሎም

  • ዜና ቪኦኤ

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ፓውሎ ጀነቲሊኒ(ጸጋም) ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን(የማን)

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንሚኒስትር ወጻኢ ጉዳይ ሩስያ ከምዘየመሓላለፉ ከረጋግጽ ይክእል’የ ኢሎም። ፑቲን ብተወሳኺ ፕረዝደንት ትራምፕ ንሚኒስትር ወዳኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ ረኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም’ዮም ዝብል ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ዝተጻሕፈ መዘከርታ ኣሎና ክብሉ ነቲ ክሲ ነጺጎም ኣለው።

ፕረዝደንት ፑቲን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ፓውሎ ጀነቲሊኒ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ሚኒስትር ላቭሮቭ ትርጉም ዘለዎ ምስጢር ከምዘየሕለፉሎም ነቲ ምስ ፕረዝደንት ትራምፕ ዝተካየደ ርኽብ ዝሰነደ መረዳእታ’ውን ከቕርቡ ድልው ምኳኖም ገሊጾም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብወገኖም ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝቐረበሎም ተኣፋፊ ሓበሬታ ንሚኒስትር ላቭሮፍን ኣምባሳደር ሰርጌር ኪስልያክ ኣመሓላሊፎም’ዮም ዝብል ክሲ ምንጻጎም ይፍለጥ።

እንተኾነ ፕረዝደንት ትራምፕ ምስቶም ላዕለዎት ዲፕሎማት ሩስያ ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ መሰል ከምዘለዎም ብምግላጽ ሩስያ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራን ዳዒሽን ተሳትፎአ ከተሐይል ኣብ ዝብል ምዝርራቦም ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ገሊጾም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኮነ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምእኻብ ሓበሬታ ኮነ ንምንጭታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ዝኾነ ተአፋፊ ሓበሬታ ንሚኒስትር ላቭሮቭ ከምዘይተመሓላለፈ`ዮም ዝገልጹ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኤች ኣር ማክስተር ዘተ ፕረዝደንት ትራምፕ ምስ ሚኒስትር ላቭሮቭ “ምሉእ ምሉእ ብቑዕ” እዩ ክብሉ ገሊጾም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኤች ኣር ማክስተር ኣብ ጉዳይ ምትሕልላፋ ምስጢራዊ ሓበሬታ ናብ ሩስያ

ንሶም ብተወሳኺ “ምንም ዘሻቕል ኣይኮነን” ክብሉ ቃሎም ሂቦም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዝለሓኾ ሓበሬታ ንገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣብ ላፕቶፕ ኮምፒተር ነታጉ ብምሕባእ ከካይዶ ዝሓሰበ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ዝሓወሰ ምኻኑ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረዝደንት ፑቲን ብተወሳኺ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ስምዒት ኣንጻር ሩስያ ነታ ሃገር የዕንው ምህላውን ፕረዝደንት ትራምፕ ብግቡእ ከየመሓድሩ ይዕንቕፍ ከምዘሎን ድሕሪ ምግላጽ ንነቐፍቲ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ናይ ፖለቲካ ከውንነት ዝረሓቑ’ዮም ክብሉ ወቂሶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዝደንት ፑቲን፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ተአፋፊ ሓበሬታ ከምዘየመሓላለፉ ከረጋግጽ ይክእል’የ ኢሎም