ፕረ. ፑቲን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክዕወቱ ከምዝኽእሉ ይግለጽ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን- ፋይል

ኣብቲ 17 መጋቢት 2024 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ንሓሙሻይ ግዜ ክምረጽ ከም ዝኽእል ብሰፊሑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ወዲ 71-ዓመት ፑቲን ግን ዛጊት ንምርጫ ከምዝወዳደር ኣየፍለጠን። ሕጂ ግን እቲ ዕለት ምርጫ ስለዝተወሰነ ኣብዘን ዝመጻ መዓልታት ከፍልጥ ምዃኑ ትጽቢት ኣሎ።

ብመሰረት`ቲ ንሱ ዝቐየሶ ሕገ-መንግስታዊ ለውጢ፡ ንተወሳኺ ክልተ ነናይ ሽዱሽተ ዓመታት መዝነት ጊዜ ክወዳደር ይኽእል`ዩ። እዚ ማለት ድማ ክሳብ 2036 ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድል ኣለዎ ማለት`ዩ።

እቶም ክወዳደርዎ ዝኽእሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ኣብ ደገ ከም ዘለዉ`ዩ ዝግለጽ፡ ዓበይቲ መሓውራት ዜና ድማ ተኣጊዶም ምህላዎም ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ። ብኻልእ ወገን ብመሰረት ዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ ኵናት ዩክሬን ይኹን ናዕቢ ሓላፊ ዕሱብ ኣሃዱ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዥን፡ ንህቡብነት ፑትን ዘጉደሎ ኣይመስልን።

ሕጂ ኣብቲ ምርጫ መን ይብድሆ ይኸውን ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ተኣሲሩ ዘሎ መራሒ ተቓወምቲ ኣለክሰይ ናቫልኒ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ደገፍቱ ንፑትን ጥራይ ኣይትምረጹ`ምበር ካልእ ንዝደለኹዎም ምረጹ ይብል። “ ፑትን ነዚ ምርጫ ከም ረፈረንደም`ዩ ክጥቀመሉ ደልዩ ዘሎ፡ ንተግባራቱን ነቲ ኵናትን” ዝበለ ናቫልኒ፡ ድልየት ዝበዝሐ ህዝቢ፡ ፑትን ከልግስ ምዃኑ ይምጉት።

ዛጊት ክልተ ሰባት ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡ ኣባል ባይቶ ዝነበረን ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ሞስኮ ዝኾነን ቦሪስ ናደዝድን ሓደ ክኸውን ከሎ፡ጋዜጠኛን ጠበቓ ሕግን የካተሪና ዱንሶቫ ካብ ዞባ ትቨር`ውን ተወዳደር ኣላ።