ፕረ.ሩስያ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ብሪክስ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም

ርክብ ፕረ ሩስያ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ብሪክስ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ክልቲኣዊ ርክብ ጌሩ። መርገጽ ሃገራትና ኣብ መብዛሕቲኡ ዓለማውን ዞባዊን ጉዳያት ዝተቐራረበ `ዩ ዝበለ ቭላድሚር ፑትን፡ “ ኢትዮጵያ ንመብዛሕቲኡ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተቕርቦ ተበግሶታት ብምድጋፋ ነድንቕ” ምባሉ ኣሶሴይትድ ኣብ ዠርግሖ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ንብራዚል: ሩስያ: ህንዲ: ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቖፈ ደምበ ሃገራትብሪክስ፡ ንኢራን: ግብጺ: ኢትዮጵያ: ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን`ውን ብምቕባል ደምብኡ ኣስፊሑ`ሎ። ቱርኪ: ኣዘርባጃንን ማለዥያን`ውን ኣባላት ንምዃን ኣመልኪተን ኣለዋ፡ ካልኦት ሃገራት `ውን ንምጽንባር ተገዳስነት ኣርእየን ኣለዋ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ካዛን ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ክረምሊን፡ 36 ሃገራት ዝተሳተፋ ክኾና ከለዋ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ንሩስያ ንምንጻል ዝግበር ጻዕሪ ንምብርዓን ኮይኑ ተራእዩ`ሎ።