ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ንፕረ.ፑቲን ምዝርራቡ ዓብይ ዛዕባ መሓውራት ዜና ኮይኑ'ሎ
Your browser doesn’t support HTML5
ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ቃለ መጠይቕ ንምግባር ናብ ሩሲያ ምኻዱ ኣብ ሩሲያ ፅዑቕ ሸፈነ ዜና ረኺቡ እዩ። ገሊኦም ከም ናይ ሚዲያ ዓበድበድ ገይሮም ይገልፅዎ። እዚ መንግስቲ ሩሲያ ናይ ወፃእን ውሽጥ ሃገርን ሚዲያ ከመይ ከም ዝሕዞ ብግልፂ ዘርእይ እዩ።
ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ናብ ሞስኮ ምምፅኡ ዝምልከት ዜና ንፕረዚዳንታዊ ወፍሪ ሩሲያ ሓዊሱ ልዕሊ ካልኦት ዜናታት ቀዳምነት ረኺቡ ኣሎ።