ብቴሌፎን ዝወሃብ ሕክምና ስነ ልቦና

ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ ዝፀንሐ ኲናት ስዒቡ ብዙሕ ዕንወትን፣ መከራን ሞትን ኣብ ህዝብን እታ ክልልን ኣውሪዱ እዩ።እቲ ኲናት ብዝሓደጎ በሰላ ዝተጠቕዐ ማሕበረሰብ ንኽሓዊ ብዙሕ ፃዕሪ ይሓትት። ኣብዚ እዋን ኣብ ደገ ወሽጢ ዓድን ዝነብሩ ምሁራት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዋሕዲ ሰብሞያ ሕክምናን ናውትን ዝፈትሕን ስነልቦናዊ ሕውየት ኣብቲ ማሕበረሰብ ንኽመፅእ ዝሕግዝን ዝበልዎ ኣገልግሎት ብስልኪ ዝወሃብ ሕክምና “ሓቂ ላይን” ብዝብል ብምኽፋት ኣገልግሎት ክህብ ገይሮም ኣለዉ።

እዚ ዛጊድ ሓደ ሰሙን ጌይሩ ዝርከብ መባእታዊ ሕክምና (First Aid) ዝበሃል ሜላ ሕክምና ኣብ ኣድላይነቱን ክርከብ ተዓሊሙሉ ዘሎ ውፅኢትን ኣመልኪቱ ብላዕለዋይ ሓላፍነት ኣብ ክልል ትግራይ ዝመርሕዎ ዘለዉ ተሓጋጋዚ ሓኪም መጥባሕቲ

ጂኣይን ላፖሮስኮፖክን ኣብ ዩኒቨርስቲ ሕክምና ዓይደር ፕሮፌሰር ፋሲካ ዓምደስላሴን ካብ መቐለን ኣብ ሚኒሊክ ኮለጅ ሕክምና መምህርን ኣማኻርን ሞያ ስነልቦና ጴጥሮስ ሓጎስ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ፈነወ ትግርኛ ሰንበት