ኣብ ኢራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ሎሚ ከምዝነከየ ተገሊጹ

መራሕቲ ኢራን ንኩነታት ቁጠባ እታ ሃገር ንምምሕያሽ ኣብ ዝፍትንሉ ዘለው ኣብታ ሃገር ክኻየድ ዝቐነየ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞ ሎሚ ከምዝነከየ ተገሊጹ።

ኣብ ኢራን ትማሊ ረቡዕ ኣንጻር መንግስቲ ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰልፍታት ተኻይዶም። ኣሜሪካ ኸአ ንህዝቢ ኢራን ሓድሽ ደገፍ ከምትምህብ ኣፍሊጣ’ላ። ወኪል ኢራን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ተኻይዶ ዘላ ናይ ጣልቃ ምእታው ስጉምታት’ዩ ክብሉ ከሲሶም።

ኣብ ኢራን ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት ዝተላዕሉ ተቓውሞታት ንሓደ ሰሙን ምቕጻሎም ይፍለጥ። ብሰንኪ ነዞም ተቓውሞታት ስዒቡ ዝተላዕለ ግጭት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጡ ኣስታት 21 ሰባት ምሟቶምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ምእሳሮም መንግስታዊ መሓውራት ዜና ኢራን ምግላጾም ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ሎሚ ከምዝነከየ ተገሊጹ