ኣብ ኦሮሚያ ኣከታቲሉ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቀጺሉ`ሎ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ንዝሓለፈ ተኸታተልቲ ሳምንታት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየደላ ዝቐነየት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ`ውን ኣብ ከተማታት መቱ፡ ጊንቢ ኣብ ፊቸ ተቓውሞ ከም ዝተኻየደን ብዙሕ ህዝቢ ከምዝተሳተፈን ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ከም ሓበሬታ`ቶም ተሳተፍቲ ሽሕ `ኳ ኣብ መቱ ትማሊ ዘንብዕ ትኪ እንተተደርበየን፡ ስነ-ስርዓት ሰንደቕ ዓላማ እንተተዓናቐፈን እቲ ሰልፍታት ዳርጋ ብሰላም ተዛዚሙ`ሎ።

ናይ`ቶም ተሰለፍቲ ሕቶ ብትኽክል እንታይ`ዩ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ነባሪ ከተማ መቱ ከምዚ ኢሉ።

“ ቐዳማይ ብኣገዛዝኣ መሪሕነት ሕወሓት ንነብረሉ ግዜ ይኣኽለና-ምኽንያቱ እናተሃረምና፡ እናተቐተልና፡ እናተኣሰርና፡ ኣብ ሃገርና ኸም ጓና ንነብር ኣለና፡ ሃብቲ ሃገርና ንዓና ዘይኮነስ ንውሑዳት ሰበ-ስልጣን ጥራይ ይውዕል ኣሎ-ይኣኽለና`ዮም ዝብሉ ዘለዉ" ኢሉ።

ተወሳኺ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኦሮሚያ ኣከታቲሉ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቀጺሉ`ሎ