ሰልፊ ብልጽግናን ህወሓትን “ደንጉዩ” ዝተባህለ ዘተ ይጅምሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ትማሊ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልቲኦም ውድባት ኣብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምዝታዮም ፖለቲካዊ ልዝብ ንክጅመር ምውሳኖም ሓቢሮም፡ እንተኾነ ግን እዚ ዝደንጎየ ውሳነ እዩ ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ክኢላታት ይገልጹ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወገናት ድማ እቲ ዝርርብ ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ንሓድሕድ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ዓቢ ተራ ክጻወት ይትስፈዉ።