ዋሽንግተን —
ኣብ ፈረንሳ ከተማ ማርሰል ዝርከብ ቆንስል ሩሲያ ሎሚ ሰኑይ ክልተ ተተኾስቲ ተደርቢዮም እቲ ሓደ ከም ዝተፈንጀረ ምንጭታት ፀጥታ ፈረንሳ ገሊፁ።
እቶም ተወንጨፍቲ ነቲ መንድቕ ኣፍሪሶምዎ እንተኾይኑ ሽዑ ንሽዑ ንፁር ኣይኮነን። ቢ. ኤፍ.ኤም ዝተባህለ ቴሌቭዥን ፈረንሳ እቶም ተወንጨፍቲ ሞሎቶቭ ዝተባህለ ተባራዒ ፈሳሲ ምዃኖም ገሊጻ።
ሩሲያ: ኣብ ፈረንሳ ምርመራ ክግበር ዝሓተተት ክትኸውን ከላ ግብረ-ሽበራ እዩ ምባላ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና 'ታስ' ሓቢሩ።
እቶም ምንጪ ጸጥታ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ይገልጹ። ሰራሕተኛታት ናይቲ ቆንስል ኣብ ውሽጢ ገዛ ክፀንሑ ከም ዝተገበረን ፖሊስ ኣብ ከባቢ እቲ ቆንስል ናይ ፀጥታ ኑቑጣ ደው ከም ዘበለን ተፈሊጡ'ሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ኲናት ሩሲያን ዩክሬን ካብ ዝጅመር ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝቑጸረሉ መዓልቲ'ዩ አጋጢሙ።