ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ ዓሪፎም  

  • ዜና ቪኦኤ

ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ - ፋይል

ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንጡፍ ተሳታፍነት ዝነበሮም መምህር ዩኒቨርስቲ ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 74 ዓመቶም ሎሚ ሰሉስ 17 መስከረም 2024 ኣብ ናይሮቢ ዓሪፎም። ንሞት እዞም ብዙሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝነበሮም ፕሮፈሰር በየነ ዝገለጸ ፓርቲኦም ደሞክራሲያዊ ማሕበርነት፡ እቶም ፕሮፈሰር ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ምርምር ስራሓቶም፡ ካብ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ኣትሒዞም ንበበይኑ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክመርሑ ምጽናሖም ይጠቅስ።

ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሕወሱ፡ በበይኖም ወገናት ብሞት ፕሮፈሰር በየነ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣካፊሎም ኣለዉ።