ናፅነት ፕረስ ኢትዮጵያ የንቈልቍል ኣሎ ዝበሉ ሞያውያን ስምዕታኦም ይገልፁ

Your browser doesn’t support HTML5

ናፅነት ፕረስ ኢትዮጵያ የንቈልቍል ኣሎ ዝበሉ ሞያውያን ስምዕታኦም ይገልፁ

ናፅነት ፕረስ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ገሊፆም። ዶ/ር ዳንኤል ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘኸረ መዓልቲ ናፅነት ፕረስ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት \ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ሕግታት፡ ኣዋጃትን ፖሊሲታትን እኳ እንተተገበሩ፡ ኣብ መሬት ግን ክትግበሩ ከም ዘይከኣሉ ኣመልኪቶም። ስለዝኾነ ድማ ንኣዋጅ ሚድያ ብዝጠሓሰ ኣገባብ ኣብ ቀረባ እዋን ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ፡ ካልኦት ድማ ብፖሊስ ይድለዩ ከምዘለው፡ ገለ መራኸቢ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ከም ዝተዓፀውን ገሊፆም።

ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ጋዜጠኛታት እውን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ዘሎ ምእሳር ጋዜጠኛታት ስግኣት ከም ዝሓደሮም ሓቢሮም። ፕረዝደንት ማህበር ሰብ ሞያ መሓውራት ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጥበቡ በለጠ ብወገኖም ንጋዜጠኛታት ብምእሳር ዝመፅእ ፍታሕ ስለዘየሎ፣ መንግስቲ ነቶም ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ክፈትሕ ሓቲቶም። ኣቦወንበር ቤት ምኽሪ መሕእውራት ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ኣማረ ኣረጋዊ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላፅ መሰል ሱር ንኽሰድድ መንግስቲ ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነቱ ክፍፅም ፀዊዖም፣ ሚድያታትን ጋዜጠኛታትን እውን ሞያዊ ስነምግባር መሰረት ብምግባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።