ፕረ.ትራምፕ ንልዝብ ሩስያን ኣመሪካን ንኢዶም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ ስዑድያ ትማሊ ሰሉስ ዝተሳለጠን ንዩክሬንን ዘይሓወሰን ልዝብ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ንኢዱ። ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) እቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ነቲ ንኣውሮጳ የናውጻ ዘሎ ሰለስተ ዓመታት ዘቑጸረ ውግእ ኣብ ምብቃዕ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ ኢሉ።