ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኩባ ታሪካዊ ምብጻሕ ይፍጽሙ

ፕረ. ባራክ ኦባማ(ጸጋም) ፕረ. ራውል ካስትሮ(የማን)

ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ዋና ከተማ ኩባ ሃቫና ምስ ፕረዝዳንት ራውል ካስትሮ ተራኺቦም።ርክባት ናብ ንቡር ንምምላስ ንምስራሕን ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱን ኣብ ዘየሰማምዕዎም ጉዳያት ቀንዲ ትኹረት ዝርርቦም ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዝዳንት ኦባማ ኣብ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ታሪኻዊ ዑደቶም ኣብ ነጻነት ኩባ ሓርበኛ ኣብ ዝነበረ ሓውልቲ ሆዜ ማርቲ ዕንበባ ኣምቢሮም።

ፕረዝዳንት ኦባማ ትማሊ ሰንበት ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ሆዜ ኣብ ዝኣተውሉ ጊዜ ፕረዝዳንት ካስትሮ ኣይተቐበሉዎምን።ኦባማ ኣብ ውሽጢ 90 ዓመታት ኣብ ኩባ ዑደት ዝፈጸሙ ናይ መጀመርያ ፕረዝዳንት ኮይኖም ኣለው።

ፕረዝዳንት ኦባማ ትማሊ ምስ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ከምዚ ኢሎም።

‘ንፈለማ ግዜ ነፋሪት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኣብ ኩባ ዓሪፋ።ኣብዚ ታሪኻዊ ዑደት ንመጀመሪያ ግዜ ዝተራኸብኩ ምሳኹም እዩ።ንቀጥታዊ ጽምዶ ህዝቢ ኩባ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ።ሓደሽቲ ስምምዓትን ውዕላትን ንግዲ ብምግባር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓድሽ ምትእስሳር ምፍጣርን እዩ።መጻኢ እዋን ብሩህ ምዃኑ ራእየይ ዘንብረሉ ኣጋጣሚ’ውን እዩ።’

ፕሬዝዳንት ኦባማ ምስ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ምስ ኣባላት ስቪል ማሕበረሰብ ኩባ ክራኸቡ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኩባ ታሪካዊ ምብጻሕ ይፍጽሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ኦባማ ታሪኻዊ ምብጻሕ ንምፍጻምኣብ ኩባ ኣብ ዝኣተውሉ