ፕረ.ሩቶ ኣብ ኣመሪካ ይበጽሑ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዋይት ሃውስ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።

እቲ ናይ ኬንያ መራሒ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ትማሊ ኣብ ኣመሪካ ኣትዩ`ሎ።


ባይደን፡ ኬንያ ኣባል ኔቶ ዘይኮነት ሓንቲ ዓባይ መሻርኽቲ ዝብል ኣፍልጦ`ውን ሂብዋ`ሎ። ካብ መንጉኡ ሓደ ኣብቲ ናብ ሃይቲ ዝወፍር ዓቃቢ-ሰላም ሓይሊ፡ ኬንያ ኣስታት ሓደ ሺሕ ዝኾኑ ፖሊስ ወተሃደራት ትሰድድ ስለዘላ`ያ።
ፕረ.ሩቶመራሒ ኣብዝሓ ፓርቲ ደሞክራት ሻክ ሹመርን መራሒ ውሑዳን ሪፓብሊካን ሚች ሚኮነልን ዝርከብዎም ምስ መራሕቲ ሰነት`ውን ተራኺቡ ኔሩ። ከምኡ `ውን ኣብቲ ናይ ትማሊ ርክባቱ ምስ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን ተራኺቡ ኔሩ።

ካልኦት ንሃይቲ ዝኸውን ሰራዊት ዝሰዳ ዘለዋ ድማ ባሃማስ: ባርባዶስ: በኒን: ጫድን ባንግላደሽን ይርከብአን። ኣመሪካ ንዓመታት ምስ ኬንያ ኣብ ጸረ-ሽበራ ሽርክነት ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብቲ ኣመሪካ ጉጅለ ርክባት ንምክልኻል ዩክሬን ኢላ ትጽውዖ ምትእኽኻብ`ውን ተሳታፊት`ያ።

ከምኡ`ውን ኣንጻር`ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዕጡቓት ሖቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ብምምሕዳር ባይደን ኣብ ዝቖመ ግብረ-ሓይሊ ትሳተፍ `ያ ኬንያ። ዊልያም ሩቱ ድሕሪ 2008 ኣብ ኣመሪካ ብደረጃ ሃገር ክብሪ ዝውሃቦ ወግዓዊ ዑደት ዝፍጽም ዘሎ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ መራሒ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዝተፈላለያ ክፍልታት ኣመሪካ ክራኸብ መደብ ተሰሪዕሉ`ሎ።