አዲስ አበባ: ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገሩሎም

ምብጻሕ ፕረ. ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ

ናይ ኤርትራ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ፕረዝዳንት ኢሳያስ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ክበፅሑ ከለው ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብተወሳኺ መራሕቲ ሃይማኖት፣ኪነ ጥበባዊያን ፍሉጣት ሰባትን ተቐቢሎምዎም ኣለው።

ብዙሕ ልሙድ ብዘይኮነ ኣገባብ ንክብሪ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መድፍዕ ከምዝተተኾሰ ሓቢሩ ይብል።ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ወፂኦም ናብ ቤት መንግስቲ ኣብ ዘምርሕሉ እዋን ንዕኦም ክቕበል ዝወፀ ብዙሕ ህዝቢ ፈቐዶ መንገዲ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ተቐቢሉዎም ክብል ሓቢሩ'ሎ።

ሓለዋ ፀጥታ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ዝለዓለ ምንባሩን ፈቐዶ ቦታ ሰባት ይፍተሹ ከምዝነበሩን ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ገሊጹ’ሎ።