ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይና ብዓይኒ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ’ዚ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበ ኣቀባብላ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ከ ኣብ ርክባት ክልቲኣን ሃገራትን ተራ ኤርትራ ኣብቲ ዞባን ዓለምን እንታይ ክፍለ ይኽእል? ምስ ኤርትራን ቃልሳን ካብ ፈለማ 1970ታት ኣትሒዙ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳን ኮነል፡ ትዕዝብቱ ከካፍለና ተወኪስናዮ ኔርና። ዳን ኮነል ብዛዕባ ኤርትራ ኣመልኪቱ ነዊሕ ዝጸሓፈን ንፖለቲካ ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተልን’ዩ።