ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ዘለዎ ድጋፍ ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር፡ ሎሚ ሰኑይ ኣማስይኡ፡ ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቀጥታዊ ርክባት ወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ከም ዝጸንሐን ሕጂ`ውን ንሱዳን ናብ ቅኑዕ መገዲ ክወስዳ ዝኽእል ንሱ ምዃኑ ከም ትኣምንን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝመጽአ ለውጢ፡ ዋንነት ክወስደሉ ዝኽእል ወታሃደራዊ ሓይሊ ክህሉ የብሉን ኢሉ። “ኣብ ሱዳን ብፍኑው ህዝባዊ ናዕቢ ዝመጸ ለውጢ`ምበር፡ ኣነ ዘምጻኽዎ ለውጢ`ዩ ኢልካ ትማናጨተሉ እዋን ኣይኮነን።”

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ዘለዎ መረገጺ ክገልጽ ከሎ ድማ፡ “ናትና ኣበርክቶ ዘይንገብረሉ ምኽንያት የለን። ናይ ጽምዶ ስትራተጂ ክህልወና ኣለዎ። እቲ ጉዕዞ ማእዝኑ ከይስሕት ክንሰርሕ ኢና፡” ኢሉ።

ነቲ ዝተባሃለ ቅኑዕ መገዲ ከትሕዝ ዝኽእል ድማ ወታሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ምዃኑ ከም ዝኣምኑንን ኣብቲ ጉዳይ ድማ ጽምዶኣዊ ስትራተጂ ከም ዝሓንጸጹን ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ-ምምልስ ኣመልኪቱ`ሎ።