ፕረ.ባይደን ናብ ኣፍሪቃ ከምዝበጽሑ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ - ፋይል

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ኣፍሪቃ ከም ዝገይሽ ይግለጽ ኣሎ። ከም ሓበሬታ ዋይት ሃዋስ ፕረዚደንት ባይደን፡ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ጀርመን ዑደት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ናብ ኣንጎላ ክቕጽል`ዩ።

ባይደን ኣብ 2022 ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፡ ኣፍሪቃ ከም ዝበጽሕ ቃል ኣትዩ ኔሩ`ዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ተደናጉዩ ጸኒሑ። ዑደቱ ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ንምሕያልን፡ ጽልዋታት ቻይና ንምብዳህን ትገብሮ ስራሕ ምዃኑ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ካመላ ሃሪስን በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ባይደንን ዝሓለፈ ዓመት 2023 ኣፍሪቃ በጺሐን ኔረን`የን።

ባይደን ድሕሪ 2015፡ ኣፍሪቃ ዝበጽሕ ዘሎ ፈላማይ ፕረዚደነት ኣመሪካ ክኸውን`ዩ።

ባይደን ኣብቲ ናይ ኣንጎላ ዑደቱ፡ ምስ ፕረዚደንት ጆዋ ሎረንሶ ብዛዕባ ምህናጽ ትሕቲ-ቕርጺ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ንኣትላንቲክን ህንዳዊን ውቅያኖሳት ከተኣሳስር ተሓሲቡ ዘሎ መስመር ባቡር ክዘራረቡ ምዃኖም ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ጂያን ፒየር ሓቢራ`ላ።