“ንሓድሽ ወለዶ ዝግደፈሉ ግዜ በጺሑ፡” ፕረ. ባይደን

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ካብ ውድድር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምስሓቡን ንካማላ ሃሪስ ንሰልፊ ደሞክራሲያዊያን ወኪላ ክትወዳደር ድሕሪ ምርቋሑን ሎሚ ረቡዕ ምሸት ካብ ቤተ መንግስቲ ቃል ኣስሚዑ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ መደረኡ፡ “ነዚ ቤት-ጽሕፈት’ዚ እፈትዎ’የ። ልዕሊኡ ግን ንሃገረይ እፈቱ” ኢሉ ንምኽንያት ካብቲ ውድድር መስሓቢኡ ክገልጽ እንከሎ። ወዲ 81 ዓመት ባይደን ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ካብ ቀረብቱን ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያንን ከቢድ ጸቕጢ’ዩ ክገጥሞ ጸኒሑ። ብኣካይዳ ባይደን ዘይተሓጎሱ ሓያሎ ለገስቲ ንውድድር’ውን ድጋፎም ከም ዘይቅጽሉ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

“ካብ ውልቀ-ሰብ ኣመሪካ ስለ እትዓቢ ነቲ ዝመረጸኒ ህዝቢ ዘሰከመኒ ሓላፍነት ከተግብሮ ስለ ዝደሊን ንሓድሽ ወለዶ ቦታ ክህብ ስለ ዝመርጽን ካብዚ ውድድር ክስሕብ ወሲነ፡” ዝበለ ፕረዚደንት ባይደን ንስለ ደሞክራሲን መሰረታዊ መትከላት ኣመሪካን ምቅላስ ግን ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

“ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ሰፊሕ ተመኵሮ ህይወት ኣሎ። ንሓድሽ ድምጺን ዕድመን ከኣ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ እምበኣር ነቲ ሓድሽ ወለዶ ቦታ ዝውሃበሉ እዋን’ዩ፡” ኢሉ ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ ተካኢቱ ንምምራጽ ኣብ ዝሃቦ ቃል። ኣስዒቡ ድማ “ሕጂ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ኦቫል ኰይነ ንካማላ ሃሪስ ኣብቲ ውድድር ክትቅጽል ክረቝሓ እንከለኹ፡ እቲ ሕቶ ናባኹም ናብ ኣመሪካውያን’ዩ። ኣመሪካ ናበይ ገጻ ክትመርሑዋ ከም እትደልዩ ኣብ ድምጽኹም’ዩ ዝምርኰስ።”

ፕረዚደንት ባይደን ንካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ክትከውን መሪጹዋ ማለት ግን ውዱእ ኣይኮነን። ናይ መወዳእታ ውሳነን ብሰልፊ ዝወከል ወግዓዊ ተወዳዳሪን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ቺካጎ ዝግበር ጉባኤ ደሞክራሲያውያን’ዩ ዝውስኖ። ኣስታት 4-ሽሕ ተወከልቲ በበይነን ክፍለ-ሃገራት ብዝህቡዎ ድምጺ ድማ ወግዓዊ ሕጹይ ናይቲ ሰልፊ ክንጸር’ዩ። ቅድሚኡ’ውን ውዱእ ነገር የሎን።

ዛጊት ኣብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን መሪሕ ድምጺ ዘለዎም ከም መራሒ ኣብዝሓ ሰነት ቻክ ሹመር፡ መራሒ ውሑዳን ቤት ምኽሪ ሃኪም ጀፈሪ፡ ናይ ቅድም ኣፈ-ጉባኤ ናንሲ ፖለሲ፡ ቢልን ሂላሪ ክሊንተንን ንካማላ ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም ኣለዉ። እንተዀነ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ ባይደን ንዝወሰዶ ስጉምቲ ደኣ ይንኣድ እምበር፡ ንሃሪስ ዘለዎ ድጋፍ ግን ዛጊት ወግዓዊ ኣይገበረን።

ባይደን ፕረዚደንት ኮይኑ ንኻልኣ እብረ ስልጣን ዘይወዳደር ዘሎ ድሕሪ ሎይድ ጆንሶን ካልኣይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብ 1968 ምስ ኲናት ቬትናም ዓቢ ተጽዕኖ ዝገጥሞ ዝነበረ ጆንሶን ንኻልኣይ እብረ ስልጣን ኣይተወዳደረን። ሃንደበት ከኣ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ውሳነኡ ወግዓዊ ገይሩ።

ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ከቢድ ጸቕጢ ዝገጥሞ ዝነበረ ባይደን ግን ካብቲ ውድድር ክስሕብ ምዃኑ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሩ ካብ ብዙሓት ወገናት ልዑል ድጋፍ ይስዕቦ ኣሎ።

ፕረዚደንት ባይደን ክሳብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ስልጣን መዝነት ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ይገልጽ። እንተኾነ ሕጹይ ርፓብሊካዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ “ንውድድርን ንፕረዚደንትን ዘይብቅዕ ሰብ’ዩ፡” ኢሉ ካብቲ መዝነት ክለቅቕ ጸዊዑ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሰን፡ ባይደን ንፕረዚደንታዊ ውድድር እንተ ዘይበቒዑ፡ ነቲ ተሪፉዎ ዘሎ ናይ ስልጣን ግዜ’ውን ነዛ ሃገር ክመርሕ ስለ ዘይክእል ካብ መዝነቱ ክወርድ ጸዊዑ።