ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሰንበት ናብ ብራዚል ታሪኻዊ ጉዕዞ ፈፂሞም። ኣብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘካይድዎ ቃልሲ ንምዝካር ኣብ ብራዚል ዘካየድዎ ዑደት ኣብ መዝነት ከሎ ናብ ዱር ኣማዞን ዝበጽሓ ፈላማይ ፕረዚደንት ገይሩዎም ኣሎ።
እቶም ፕረዚደንት ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሪዮ ደ ጃኔሮ ዝካየድ ዋዕላ ብቑጠባ ዝዓበያ 20 ሃገራት ዓለም ክሳተፉ ኣዮም። እቲ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ፣ ምንካይ ድኽነትን ካልኦት ዛዕባታትን ቀንዲ ዛዕባታት ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።