ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ሓሙስ 15 ሰነ 2023 ኣብ ሞስኮ መንግስታዊ ዑደት ክገብሩ ክሬምሊን ንዝኣተዉ ንኣልጀርያዊ መዘነኦም ዓብደልማጂድ ተቡን ተቐቢሎም:ኣዘራሪቦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣልጄሪያን ዘሎ ዝዓሞቐ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዘረጋግፅ ሰነድ ፈሪሞም። ከምኡ'ውን ንፀዓት ሓዊሱ ኣብ ባህሊ ከባቢያዊን ሰላማውን ኩነታትን ካልኦት መዳያትን ምትሕብባራት ክገብሩ ተሰማሚዖም።
ኣልጀሪያ ኣብ ቀረባ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ዘይኮነ መንበር ክትሕዝ እያ: ፕረዚደንት ፑቲን ድማ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ተቡን ዘካይድዎ ዘተ ኣብ ግጭት ዩክሬን ኣልጄሪያ መንጎኛ ንምዃን ዘቕረበቶ ዕድመ ብሓጎስ ተቐቢሎሞ ኣለው። ከምኡ'ውን ኣብቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሞስኮ ተዳልዎ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ክሳተፉ'ውን ንፕረዚደንት ተቡን ዓዲሞምዎም።
ፕረዚደንት ተቡን ብወገኖም ሩስያ ንትገብሮ ናይ ነዊሕ እዋን ሓገዝን ቀረባት ኣፅዋርን ኣብ ምዕቃብ ናፅነት ኣልጄሪያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ብምግላፅ ዘመስገኑ ኾይኖም ሃገሮም ኣብ ዞባ ቁጠባዊ ጉጅለ ሃገራት ብሪክስ ክትፅምበር ድልየት ከምዘለዋ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣረጋጊፆምሎም።
ኣብ ሓደ እዋን ከም ልሕሉሕ ዝተፈላለያ ማዕበልቲ ቁጠባታት ዝረአ ዝነበረ ብሪክስ (BRICS) ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ፈለማ ብቤይጂንግ ዝተጀመረ ድፍኢት ዳሓር ድማ ኣብ 2022 ለካቲት ንምጅማር ግጭት ዩክሬን ስዒቡ ካብ ሞስኮ ተወሳኺ ሓይሊ ረኺቡ ኣብዚ እዋን ስሩዕ ቅርፂ ሒዙ ይርከብ።