ዋሽንግተን —
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ክልቀቑን ናብቲ ዞባ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተኻየደ ሰሙናዊ ቅዳሴኦም ዝተዛረቡ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ “ ኣብ ፍልስጤምን እስራኤልን ዘሎ ከቢድ ኩነታት ብቐጻሊ የተሓሳስበኒ “ ኢሎም።
እቶም ካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት “ጅሆ ዝተታሕዙ ክፍትሑን ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱን ኣተባብዕ ኣለኹ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዩክሬንን ንዝሳቐዩ ዘለዉ ድማ ናይ ሰላም ተስፋ ንክረኽቡ ንጽልየሎም ” ኢሎም።
ሓማስ ድሕሪ`ቲ 7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ፡ ውጻእተኛታት ዝርከብዎም 222 seባት ጅሆ ሒዙ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።