ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ኢንጂነር ሽመኘው በቀለ ብጥይት ተሃሪሙ ምሟቱ አረጋጊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

አካያዲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዳሴ ግድብ ኢንጂነር ሽመኘው በቀለ ሎሚ ሓሙስ ኣብ መኪንኦም ኣብ መስቀል አደባባይ ሞይቶም ተረኺቦም። ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ኢንጂነር ሽመኝህ በቀለ ኣብ የማናይ ወገን ርእሶም ብጥይት ተሃሪሞም፡ ምሟቶም ሓቢሮም ኣለው። “ፖሊስ ኢንጂነር ሽመኘው በቀለ ብጥይት ተሃሪሞም ምሟቶም ፈሊጡ’ሎ። ብተወሳኺ ኣብ የማናይ ጎድኑ ሽጉጥ ረኺብና ኢና።”