ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ ኣብ ኢትዮጵያ በጺሓ

ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸብትሉ እዋን፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ሓገዝን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከምኡ`ውን ምምካት ስደትን ምዝርራቦም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ`ሎ።

እታ ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ምስ ዝገብር ዘሎ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ`ውን ተራኺባ ተዘራሪባ ኔራ። ድሕሪ`ቲ ስሉሳዊ ርክብ፡ ጆርጅያ መሎኒ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጣልያ ዘለዋ ተገዳስነት ብምግላጽ፡ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልን ቁጠባዊ ምትሕብባር ክትቅጽል ከምትደሊ ጠቒሳ።

ቀ/ሚ ጆርጅያ መሎኒ ናብ ዶቡባዊ ኢጣልያ ዝግበር ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምንካይ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጻወትኦ ዝኽእላ ተራ ኣዝዩ ልዑል`ዩ- ኢላ ።

የማናይ ክንፊ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ንናህሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ኣዋጅ ኣውጺኡ`ሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራሕ፡ 31 ሺሕ ሰባት ካብ ሓደጋ ባሕሪ ከም ዝደሓኑ፡ ኣሸሓት ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠሊቖም ከም ዝተረፉ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።