75 ዓመታት ድሕሪ ደብዳብ ፒራል ሃርቦር ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሱሂንዞ አበ ምስ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ብምዃን ታሪካዊ ምብጻሕ ኣብ መቓብር ግዳያት ደብዳብ ፒራል ሃርቦር አካይዶም።
ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ክፉእ ገጽታ እቲ ኩናት ክንደግም የብልናን እዚ ድማ ናይ ህዝቢ ጃፓን ልባዊ መብጽዓ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር አበ ነዚ ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለው ሸውዓተ አዋርሕ ድሕሪ ፕረዝደንት ኦባማ ንሂሮሺማ ምብጽሖም እዩ። ፕረዝደንት ኦባማ ድሕሪ ኣሜሪካ ንሂሮሺማ ብኑክልየር ቦምብ ምድብዳባ ንመጀመርያ ጊዜ ናብቲ ቦታ ዝበጽሑ መራሒ ኣሜሪካ እዩ። ኣብቲ ደብዳብ በብኣሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ሰባት ምሟቶም ይዝኸር።
ቀዳማይ ሚኒስትር አበ ኣብ መደረኦም ከም ፕረዝደንት ኦባማ ንሕሉፍ ተግባራት ሃገሮም ይቕሬታ ኣይሓተቱን ብኣንጻሩ ነቲ ኣሜሪካ ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምትዕርራይ ተካይዶ ጻዕሪ ትኹረት ሂቦም ተዛሪቦም።
ፕረዝደንት ኦባማ’ውን ብወገኖም ኣብ ጉዳይ ዕርቂ’ዮም ትኹረት ሂቦም።
“ኩናት ይውዳእ እዩ። እቶም መሪር ጽልኢ ዝነበሮም ናብ ዝበርትዓ ምሕዝነት ክመጹ ይኽእሉ’ዮም። ኩሉ ጊዜ ምህርቲ ሰላም ካብ በሰላ ኩናት ይበልጽ እዩ።”
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ካብቲ ደብዳብ ፒራል ሃርቦር ዝተረፉ ኣልፍረድ ሮዲጎስ ዝተባህሉ ውልቀሰብ ምርኻቦም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ናይ ትማሊ ርኽብ ክልትኦም መራሕቲ ኣብ ሓደ እዋን ጸላእቲ ዝነበሩ መሓዙት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዘርእይ ክኸውን ኸሎ እዚ ሓድሽ ምሕዝነት ግን ኣብ ኣሜሪካ ሓድሽ መሪሕነት ኣብ ዝምዘዘሉ እዋን ብምኻኑ ዘይርጉጽ መጻኢ እዩ ዘለዎ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5