ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት ምዝርራቦም ገሊጾም

ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ከምዝተዘራረቡን ንቀጻሊ’ውን ንምዝርራብ መደብ ከምዘሎን ትማሊ ንጋዜጠኛታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ አፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ንዝቀረበሎም ኣብ ቀረባ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብውልቂ ጸዊዖም ከምዘዘራረብዎም ምግላጾም ጠቂሱ እቲ ዝነገርዎም ውጥን ልዝብ ከምዘለዎም’ዮም ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ብመጀመርያ እወ ምስ መራሒ ተቃወሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ምዝርራብና ሓቂ’ዩ ምይይጥና ኣብ መጻኢ ጊዜ ብዛዕባ ንዘራረበሎም ሓያለ ጉዳያት ፖለቲካ ዘተኾረ’ዩ ኔሩ።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቀ/ሚኒስትር ሃይለማርያም ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት ምዝርራቦም ገሊጾም