ዋሽንግተን —
ንምንጭታት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማሊያ ብምውካስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዘስፈሮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ጽባሕ ሓሙስ ንከተማ መቓዲሾ ሶማሊያ ክበጽሕ መደብ ሒዙ ኣሎ።
መቓዲሾ’ውን ንምቕባል ሃገራዊ ጋሻ ዝኸውን ምድላዋት ትገብር ከም ዘላ ነበርቲ መቓዲሾ ንድምጺ ኣመሪካ’ውን ሓቢሮም።
ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ንተፈጻምነት ስምምዕ ኣንካራ ኣመልኪቱ ምስ ሶማላውያን ሰብ-መዚ ንምዝታይ’ዩ ናብ መቓዲሾ ዝገይሽ ዘሎ።
ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ዝምድና ክልተኣን ሃገራት ኣዝዩ ሻሕኪሩ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ብዝተገብረ ሽምግልና ግን እቲ ርክብ ተመሓዪሹ’ዩ።
መንግስቲ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንብዝሒን ስፍራታትን ኣባላት ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣመልኪተን ኣብ ቀረባ እዋን ምስምማዐን’ውን ይዝከር። ኣብቲ ብናይ እንግሊዘኛ ኣሕጽሮ-ቃላት “ኣውሶም” ዝተሰምየ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክህልዉ ከም ዘይትደሊ ሶማሊያ ኣቐዲማ ተሪር መርገጺ ጸኒሑዋ’ዩ።