ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣብ ከተማ አምቦ

Your browser doesn’t support HTML5

ሓድሽ ዝተመዘዙ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንጠንቂ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ተቓውሞን ግጭትን ዝኾነ ቅሬታ ተወላዶ ኦሮሞ ከምዝርእዩ ገሊጾም ። ንሶም ነዚ ዝበሉ ትማሊ ረቡዕ ኣብታ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ተቓውሞታት ዝተራእየላ ከተማ አምቦ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ኮይኑ ነበርቲ’ታ ከተማ ድሙቕ ኣቐባብላ ጌሮሙሎም ።