ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ርክብ ንምምላስ ጻዕርታት ከሐይሉ ምዃኖም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም

  • ገብረ ገብረመድህን

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሎማ ኣብ ከተማ መቐለ በጺሖም ምስ ህዝቢ ዘትዮም።ንሶም ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢትዮጵያ ብዘይ ትግራይ ትግራይ ድማ ብዘይ ኢትዮጵያ ዘይክኣል እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዓበይቲ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ፍፃመታት ዘርዚሮም።ንሶም ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ጌጋታት ሓዘንና ንገልፅ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ተመሳሳሊ ጌጋ ዳግም ከይፍፀም መንግስቲ ዝክኣሎ ክገብር እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓው ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ርክብ ንምምላስ እውን ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ሕቶ እውን መሊሶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ርክብ ንምምላስ ጻዕርታት ከሐይሉ ምዃኖም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም