ዋሽንግተን —
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ሱዳን ሎሚ ረቡዕ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት፡ ብውሑዱ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሓደ ጥራይ ምድሓኑ ንሚኒስትሪ ዜና እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።
እታ ካብ ጁባ ዝነቐለት ነፋሪት ኣብ ከባቢ ነዳዲ ዝዕደነሉ ቦታ’ያ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 10፡30 ንግሆ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።
21 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መዕለቢኣ ኣስታት 500 ሜትሮ ምስ ተረፋ’ያ ወዲቓ።
ኣብታ ነፋሪት ዝሞቱ 16 ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ክልተ ቻይናውያንን ሓደ ህንዲን ምንባሮም ሰብ-መዚ ሓቢሮም። ኵላቶም ሰራሕተኛታት ዕደና ነዳዲ ኰይኖም፡ እቲ ዝደሓነ’ውን ደቡብ ሱዳናዊ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ጠንቂ እቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተሓበረን።