ሰበ ስልጣን ፊሊፒንስ ምስ አደንዛዚ ዕጺ ብዝተሓሓዝ 25 ሰባት ምቅታሎም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሰበ ስልጣን ፊሊፒንስ ምስ አደንዛዚ ዕዝ ብዝተሓሓዝ 25 ሰባት ምቅታሎም ተገሊጹ

ሰበ ስልጣን ፊሊፒንስ ኣብ ዋና ከተማ ማኒላ ምስ አደንዛዚ ዕጺ ብዝተሓሓዝ 25 ሰባት ምቅታሎም ተገሊጹ።

እዚ ቅትለት አካል እቲ ፕረዝደንት ሮድሪጎ ዱርተ ንጥርጡራት አደንዛዚ ዕጺ ንምጥፋእ ዝሃብዎ ትእዛዝ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ቅትለት አቐዲሙ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ከባቢ ዋና ከተማ ማኒላ ዝርኸቡ አውራጃታት ልዕሊ 30 ሰባት ብተመሳሳሊ ድሕሪ ምቕታሎም ዝተፈጸመ ምኳኑ'ውን ተገሊጹ አሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ምርጫ ብቀሊሉ ዝተዓወቱ ፕረዝደንት ዱርተ እታ ሃገር ካብ ወልፊ አደንዛዚ ዕጺ ነጻ ንምግባር በኣሰርተታት አሽሓት ዝቑጸሩ አደንዛዚ ዕጺ ዘሰጋገሩን ወልፊ ዘለዎም ሰባት ከምዝቐትሉ ቃል ምእታዎም ይፍለጥ።

ይኹን ደአ እምበር ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ቅትለታት ገበን አንጻር ሰብኣዊነት ክቑጸር ከምዝኽእል ይመኽሩ።