ክኢላታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ኣዕዋፍ ፐንጕይን ኣብ 2025 ክጠፍኣ ከም ዝኽእላ የጠንቅቑ። ነዚ ብምግንዛብ እምበኣር’ዮም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ክልተ ጉጅለ፡ ንምክልኻል እተን ኣዕዋፍ ተበግሶ ወሲዶም ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ንምክልኻለን ሕጋዊ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ።
ፐንጕይን ኣፍሪቃ፡ ብፍሉይ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዝራብሓን ዝርከባን ዓይነት ኣዕዋፍ’የን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እዘን ኣዕዋፍ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ምጥፋእ ተኽእሎ ኣለወን።
ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዳህሳስ 10-ሽሕ ዝበጽሓ ብዝሒ እዘን ፍሉያት ፐንጕይን ጥራይ ኣብታ ኣህጉር ከም ዘለዋ ይሕብር። ካብዚ እተን 8,300 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከባ’የን። እንተዀነ ኣብ 2008 ብዝሐን ልዕሊ 27-ሽሕ’ዩ ነይሩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ትካል ዕቃበ ኣከባቢ ነዘን ሓደጋ ምጽናት ዘጋጥመን ዘሎ ዘርኢ ኣዕዋፍ ንምክልኻል ኣንጻር መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕጋዊ ስጕምቲ ይወስድ ኣሎ።
ኒኪ ስታንደር መራሒ ትካል ዕቃብ ኣዕዋፍን ባህርያዊ ሃብቲን ደቡብ ኣፍሪቃ’ያ።
“ፐንጕይን ኣፍሪቃ ብፍሉይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝፈርያ ዓይነት ኣዕዋፍ’የን። እዚን ኣዕዋፍ ከም ሳርዲን ዝኣመሰላ ዓሳታት ይምገባ። እንተዀነ በዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጃምላዊ ምግፋፍ ዓሳ እዘን ዓይነት ፐንጕይን ቀጥታዊ ሓደጋ ምጽናት የንጸላልወን ኣሎ፡”
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳን ኣከባቢን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ እዘን ፍሉያት ኣዕዋፍ ዝርከባሉ ኣከባቢ ሽዱሽተ ዞባታት ብምሕዛእ ኣብ ኣገባብ ምግፋፍ ዓሳ ፍሉይ መምርሒ ኣሕሊፉ ነይሩ። እቲ ንጃምላዊ ምግፋፍ ዝኽልክል ሕጊ ክሳብ 2033 ዝጸንዕ’ዩ።
እዚ ክሳብ 20-ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሕዛእቲ ኣብ ምርባሕን ምዕቃብን ፐንጕይን ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይኣምኑ።
እንተዀነ ነቲ መምርሒ ዘሕለፈ ሚኒስትሪ፡ ኣብ እዋኑ ካብ ክኢላታት ተወሳኺ ሕዛሕቲ ክገብር ሓሳባት ቀሪቡሉ ምንባሩ ኣብዚ ጉዳይ መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ጉጅለ ይነቕፉ። እቲ ተሓላቒ ጉጅለ ንሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳን ኣከባቢን ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ካብ ክኢልታት ዝተዋህቦ ምኽርታት ኣየተግበረን ብምባል ከሲ መስሪቱሉ ኣሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ክህብ ብድምጺ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይዲ ምስማዕ ክግበረሉ ቆጸራ ተታሒዙ ከም ዘሎ ምላሽ ሂቡ።
እዚ እናዀነ ግን እቲ ንምዕቃብ እዘን ኣዕዋፍ ዝሰርሕ ጉጅለ ንመጫጭሒን መባዝሒን እዘን ኣዕዋፍ ዝኸውን ቦታ ንምስፋሕ ይሰርሕ ኣሎ። ከም ቀዳማይ ተበግሶኡ ድማ ዝተሓድገ እንቋቝሖታትን ጨቓዊትን ፐንጕይን ኣኪቡ ኣብ ምጭጫሕ ይርከብ። ነዘን ኣዕዋፍ ሓደ ካብቲ እንቋቝሖታተን ጨቓዊተንን ገዲፈን ንምኻድ ዘገድደን ስእነት መግቢን ብርቱዕ ዋዒን’ዩ።
ቋረሽ ሻይክ ካብ መንጎ’ቶም ንምዕቃብ ፐንጕይን ኣፍሪቃ እትሰርሕ ዘላ ጕጅለ’ያ።“እዚ ሓድሽ መራብሒ፡ እንቋቝሖታት ካብ በበይኑ ዞባታት ኣኪቡ ንምፍራይ የኽእለና። ኣብዚ ንምጭጫሕ ሰፊሕ ቦታ ስለ ዘሎና ድማ ንምብዛሕን ንምዕቃብን ዕድል ይህበና።”
ድሕሪ ምጭጫሕ እንቋቝሖ፡ ነተን ጫቐዊት ፐንጕይን ንምዕባይን ንምክንኻንን ዘኽእል ህንጻ ንምስራሕ 14-ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ይሓትት--ትብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ቪኪ ስታርት ካብ ኬፕ-ታውን።