ናይ ቀደም ወረዳና ወረዳ እምባስነይቲ ይመለሰልና ዝብል ሕቶና ቅኑዕ መልሲ ተዘይረኺቡ ካብ ወረዳ ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ዝወከልናዮም ሰባት ውክልናና ዘልዐልና ምዃንና ነፍልጥ’ውን ይብል ኣቲ ህዝቢ ብወከልቱ ኣቢሉ።
ካብ ነባራት ተቓለስትን ዓበይቲ ዓዲን ሃለቃ ሃይለዝጊ ገብረማርያም ህዝቢ ትግራይ ምስ ውድብ ህወሓት ዕረቐና፤ ህወሓት ኢድና ትምለሰልና ተዘየለ ግና ኣይውድብናን ክብሉ ኣምሪሮም ተዛሪቦም።
ህዝባዊ ቁጠዐ ኣብ እምባስነይቲ- ክልል ትግራይ
ሓደ ካብቶም ነባራት ኣባላት ህወሓት ዝነበሩን ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ህዝቢ ስለዝመርሑ ካብ ኣባልነቶም ከምዝተኣገዱ ኣብቲ መድረኽ ዝገለፁ ኣይተ ዘርኡ ኪዳኑ እውን ሕቶና ዘይምለስ እንተዀይኑ ውክልናና ኣልዒልና ኣለና ኢሎም።
ሓደ ካብቶም ሕቶ ህዝቢ ንመንግስቲ ንኸቕርቡ ዝተወከሉ ኣይተ ኣብርሃ ገብረመስቀል ድማ መግለፂ ቅዋም ኣቕሪቦም። ኣብ መግለፂኦም ህዝብን ውድብን ሐጂ እውን ንድልየት ህዝቢ ክብሪ ሂቦም ከማሕድርዎም ፀዊዖም፤ እዚ እንተዘይኰይኑ ግና ካብ ወረዳ ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ከማሓድሩና ዝወከልናዮም ሰባት ደጊም ንዓና ዘይውክሉ ምዃኖም ነፍልጥ ብምባል ቅሬትኦም ኣቕሪቦም።
ህዝቢ እምባስነይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ፋይል ንምኽፋት ንዝኽፈል 50 ሳንቲም ናብ ዕዳጋ ዓርቢ ብምኻድ ንምኽፋል 34 ቅርሺ ንመጓዓዝያ ወፃኢ ከምዝገብር ህዝቢ በዝን ክንድዝን ከምዘማርር ዘሎ ነበርቲ ከተማ ነበለት ይዛረቡ።
ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ህዝቢ እምባስነይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ
Your browser doesn’t support HTML5
ህዝባዊ ቁጠዐ ኣብ እምባስነይቲ- ክልል ትግራይ