መዓልቲ ዓለምለኸ ሰላም ኣብ ከተማ መቐለ ተዘኪሩ ውዒሉ

Your browser doesn’t support HTML5

መዓልቲ ዓለምለኸ ሰላም ኣብ ከተማ መቐለ ተዘኪሩ ውዒሉ

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ዓርቢ 21 መስከረም 2024 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዓጂቡ ኣብ ከተማ መቐለ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሸ ሆቴል ኣክሱም ዝተፀንበለ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን መፅናፅታዊ ፅሑፍን ዝተሰነየ ምንባሩ ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ'ቲ መድረክ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ግብረ ሰናይ "ሰናይ ጩራ ኣቡጊዳ" መንእሰይ ቢንያም ናደው ገሊፁ።

ኣብቲ መድረክ ንተራ ሰላምን ምእላይ ግጭትን ዝምልከት ክልተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም ኔሮም።

ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ብርክት ዝበሉ መናእሰይን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ዝተረከቡ ክኾኑ ከለው ምክትል ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ተረኺቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣመልኪቶም መልእክቲ ኣመሓላሊፎም።