መዓልቲ ዓለምለኸ ሰላም ኣብ ከተማ መቐለ ተዘኪሩ ውዒሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ዓርቢ 21 መስከረም 2024 ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዓጂቡ ኣብ ከተማ መቐለ ተዘኪሩ ውዒሉ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣዳራሸ ሆቴል ኣክሱም ዝተፀንበለ ዓለምለኸ መዓልቲ ሰላም ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን መፅናፅታዊ ፅሑፍን ዝተሰነየ ምንባሩ ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ'ቲ መድረክ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ግብረ ሰናይ "ሰናይ ጩራ ኣቡጊዳ" መንእሰይ ቢንያም ናደው ገሊፁ።